Audio: 3 Top American Diplomats on Eritrea/ USA – VOA Tigrigna

VOA Tigrigna 1_24

Audio: 3 Top American Diplomats on Eritrea/ USA – VOA Tigrigna

US Ambassadors Herman Cohen, David Shinn, Princeton Lyman

ሰለስተ ነባራት ዲፕሎማት ኣመሪካ፡ ኣብ ርክብ ኣመሪካ ፡ኤርትራን ኢትዮጵያን

እቶም ኣመሪካውያን ፡ርክብ ኣመሪካን ኤርትራን ክዕረ፡ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ናብ ንቡር ክምለስ ጽዊዖም

24.01.2014

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዝነበሩ ኣምባሳደር ደቪድ ሺን ብወገኖም፡ ኤርትራ ንኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ምሕጋዛ ምቕጻላ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን ይብሉ። እቲ ምስ ዩ.ኤስ ምሕዝነት ዝዓግት ዝነበረ ስለዝተኣልየ፡ ምሕዝነታ ምስ ኤርትራ ክተመሓይሽ ክትፍትን ኣለዋ ይብሉ ደቪድ ሺን።

“ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ከይጎዳእካ፡ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ምሕዝነት ምግባር ይክኣል`ዩ” `ውን ኢሎም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምሕዝነት ክምለሳ ግን ረብሓ መንግስታተንን ህዝበንን`ዩ ኢሎም ኣተሓሒዞም።

ሳልሳይ ዲፕሎማት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ኣምባሳደር ዝነበሩን፡ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ንተብግሶ ሰላም ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘምርሑን ፕሪስተን ላይማን`ዮም። ንሶም ምሕዝነት ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ኸቢድ`ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ`ውን ክፍተን ኣለዎ ኢሎም።

ምስ ሰለስቲኦም ነባራት ዲፕሎማት ኣመሪካ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ዝሓዘ መደብ ኣብ`ዚ ዝቕጽል ምልክት ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል

Click Below for Audio

 

108
-